LAZA Book Shop - ላዛ መሸጣ መጽሓፍቲ

Call Contact the business

LAZA Book Shop - ላዛ መሸጣ መጽሓፍቲ ህይወት ቀላል ኣይኮነትን፣ ፍቕሪ ንባብ ግን ብዝቐለለ መንገዲ ክትነብራ የኽእል።

ኣቶ ካስቶሮ፣ “ጐይታ ይባርኽካ ወዲ-ኣዳም፡ ዘረባኻ ቀልዲ እዩ!” በሎ ካርካር ኢሉ እናሰሓቐ። “ናብ እምኒ ኽትቅይሮ፧ እንታይ ትብል ወደይ! ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢላ ኽጥምቶ’ውን ተኺእላ እያ! ...
17/09/2025

ኣቶ ካስቶሮ፣ “ጐይታ ይባርኽካ ወዲ-ኣዳም፡ ዘረባኻ ቀልዲ እዩ!” በሎ ካርካር ኢሉ እናሰሓቐ። “ናብ እምኒ ኽትቅይሮ፧ እንታይ ትብል ወደይ! ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢላ ኽጥምቶ’ውን ተኺእላ እያ! ከምኡ እንተ ገይራ፡ ካብቲ ኣነ ዝጽበዮ ንላዕሊ እዩ። ዘይከውን’ዩ ዘይከውን’ዩ! ልክዕ ከምቲ ኣብዚ ጥንታዊ ግጥምታት ዝበሎ ንዅሉ ነገር ከስተኻኽሎ እዩ፤

ጌጋታት ክእረሙ’ዮም፡ ኣስላን ናብ ትርኢት ምስ መጸ
ደጊም ሓዘን ኣይክህሉን’ዩ፡ ድምጺ ምጕዛሙ ምስ ተሰምዐ
ክረምቲ ምስ ሞቱ ይራኸብ፡ ኣስናኑ ምስ ቀልዐ
ሓድሽ ጽድያ ኽህልወና’ዩ፡ ፋረኡ ምስ ነስ’ነሰ።

ምስ ረኣኹሞ ክርድኣኩም እዩ።"

“ግን ክንርእዮ ዲና፧” ሓተተት ሱዛን።

“ጓል-ሄዋን፡ ንምንታይ ድየ ደኣ ናብዚ ገዛ ኣምጺኤኩም። ምስ ኣስላን ክትራኸቡ ኽመርሓኩም እኮ እየ፡” በለ ኣቶ ካስቶሮ።

“ሰብኣይ ድዩ፧” ሓተተት ሉችያ።

ብኣቃጫጭ፣ “ኣስላንሲ ሰብኣይ!” በለ ኣቶ ካስቶሮ። “ብርግጽ ኣይኮነን። ንሱ፡ ንጉስ ጫካን ወዲ እቲ ዓቢ ሃጸይ ኪንዮ-ባሕርን ምዃኑ እነግረኩም ኣለኹ። ንጉስ ኣራዊታት መን ምዃኑ ኣይትፈልጡን ዲኹም፧ ኣስላን ኣንበሳ እዩ። ኣንበሳ- እቲ ግኑን ኣንበሳ።”

“እውይ!” በለት ሱዛን። “ሰብኣይ እንድዩ መሲሉኒ ነይሩ። የስግእ ድዩ፧ ምስ ኣንበሳ ምርኻብ ስምዒት ጭንቀት ዝፈጥረለይ እዩ።”

“ከምኡ’ሞ ብዘይጥርጥር ኽስማዓኪ’ዩ ፍቕርተይ። ዝኾነ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣስላን ክቐርብ ከሎ፡ ኣብራኹ ረድረድ ዘይብሎ የለን። ከምኡ ዘይስምዖ ሰብ ኣዝዩ ተባዕ ሰብ ወይ ድማ ልቡ ጠቢሱ ዝበልዓ ሰብ ክኸውን ኣለዎ፡” በለት ወይዘሮ ካስቶሮ።

“እሞ ውሑስ ኣይኮነን፧” በለት ሉችያ።

“ውሑስ፧” በለ ኣቶ ካስቶሮ። “ወይዘሮ ካስቶሮ ዝበለቶ ኣይሰማዕክዮን ዲኺ፧ መንዶ ምሉእ ብምሉእ ውሑስ’ዩ ዝበለ ኣሎ እዩ፧ ብርግጽ ውሑስ ኣይኮነን። ግን ብሩኽ’ዩ፣ ንጉስ’ዩ እብለኪ ኣለኹ።”

መጽሓፍ ናርንያ!

ንምዕዳግ በዚ ተወከሱ፣
ኣንጎላ፣ +244975930558
ኢትዮጵያ፣ +251979758992

ጋሌኖስ፡ ሓፊድ ንዝቐረበሉ ጠለብ ከም ቅጽበት ብምቕባሉ ኻብ ዝፈጠረሉ ስንባደ ንኽምለስ ገለ ደቃይቅ ወሰደሉ። ሓፊድ ብዛዕባ ኣብ ሕልሙ ዝተራእዮ ትንቢት ሊሻ እናውግዐ ምሳሕ ድሕሪ ምምጋቦም፡ ...
13/09/2025

ጋሌኖስ፡ ሓፊድ ንዝቐረበሉ ጠለብ ከም ቅጽበት ብምቕባሉ ኻብ ዝፈጠረሉ ስንባደ ንኽምለስ ገለ ደቃይቅ ወሰደሉ። ሓፊድ ብዛዕባ ኣብ ሕልሙ ዝተራእዮ ትንቢት ሊሻ እናውግዐ ምሳሕ ድሕሪ ምምጋቦም፡ ክልቴኦም ኣብቲ ቤት-ንባብ ኣብ ዝርከብ ሰፊሕ ካብ ተሪር ዕንጸይቲ ዝተጸርበ ጠረጴ ኸቢቦም ዝርርቦም ቐጸሉ። ኣብዚ ህሞት ኤራስሞስ ቃል የከሙሎቐ ኣብ መዝግውቡ ተተኺሉ ይሓናጥጥ ነበረ።

"ቀዳማይ ዑደትና፡" ጋሌኖስ ከብር ጀመረ፡ " ኣብ ቅድሚ ሒደት ትዓዘብቲ ዝካየድ ብምዃኑ፡ ኣዘራርባኹም ወዲንኩም ገለ ኻብ'ቶም መሰረታውያን ኽእለታት ጥበብ -መደረ እትኸስቡሉ፡ ሓጺር ግዳ ኣገዳሲ ተመኩሮ ንቐስመሉ ክኸውን እዩ። ንገለ ካብ'ቶም ቀዳሞት መደረታትኩም እናተቛጻጸርኩ፡ ኣቀራርባኹም ንምምሕያሽ ይሕግዙኹም እዮም ኢለ ዝኣመንኩሎም ገለ ርእይቶታትን ነቕርቦም መደረታት ከም ናይ ፈተነ እዋን ኮይኖም ከገልግሉና እዮም። እቶም ቀዳሞት ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ኣስተምህሮታት፡ ናብቶም ኣብ ርእሰ-ከተማታት ዓለም፡ ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት ህዝቢ መደረታትኩም ንምቕራብ ክትቅጽሉ እንተኾይንኩም ንኽትውስኑ እኹላት እዮም።

"መሸም ሓልዮትካ ወሰን የብሉን።" በለ ሓፊድ ፍሽኽታ ኣሰንዩ። " እንተድኣ ነብሰይ ከዋርድ ፍቃደኛ ኮይነ፡ ሒደት ሸራፋት ጥራይ እዮም ክስሕቑኒ።

መጽሓፍ ዝሓየለ ሸያጢ ኣብ ዓለም ቁ፥2

ንምዕዳግ በዚ ተወከሱ፣
ኣንጎላ፣ +244975930558
ኢትዮጵያ፤ +251979758992

…… ሓደ ካብ'ቲ ሰብኡት ክርድእዎ ዝግባእ፡ ሕርቃ ወይ ዘይምሕጓስ ኣንስቶም ናብኦም ዝቐንዐ ውልቃዊ መጥቃዕቲ ዘይምዃኑ ምግንዛብ የድልዮም - እቲ ልበ-ስምዒታት ናይ ኣንስቶም፡ ዝበዝሕ እዋን ...
09/09/2025

…… ሓደ ካብ'ቲ ሰብኡት ክርድእዎ ዝግባእ፡ ሕርቃ ወይ ዘይምሕጓስ ኣንስቶም ናብኦም ዝቐንዐ ውልቃዊ መጥቃዕቲ ዘይምዃኑ ምግንዛብ የድልዮም - እቲ ልበ-ስምዒታት ናይ ኣንስቶም፡ ዝበዝሕ እዋን በቲ ጒዳይ ስምዒተን ማዕረ ኽንደይ ከም ዝተተንከፈ ንምጒላሕ ዝጥቀማሉ መሐበሪ ቐስቲ እዩ።

ሰብኡት፡ ግብራዊ ዝበልዎ ፍታሕ ንምሃብ ልበ-ስምዒተን ካብ ምግላጽ ክዀልፍወን የብሎምን። ምኽንያቱ፡ ሰበይቲ እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ኢላ እተሓስቦ፡ ነቲ መረረኣ ጽን ኢሉ ክሰምዓን ምስቲ እቲ ጒዳይ ዝፈጠረላ ስምዒታት ክደናገጽን እያ ትደሊ (ግን ነቲ እትብሎ ክቕበሎ ወይ ክሰማማዕ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን)። እቲ ኲልፍ ኣቢሉ ዝህባ ምኽሪ፡ ነቲ ስምዒታታ ከም ዘይረብሕ ቈጺሩ ዝነጽጎ ዘሎ ገይራ እያ እትሓስቦ። ሰብኡት፡ ኣንስቶም ብሕርቃን ባልባል ኢለን ክጥሕርኦም እናደለያ ኸለዋ፡ "እዚ ስቕ ኢልካ ቀንጠመንጢ እዩ" ከይበሉ፡ መረረአን ክሳዕ ዝውድኣ ዓቕሊ ገይሮም ምስ ዝጽበይወን፡ ዝስምዐን እዝንን ኣኽብሮትን ዝረኸባ ኰይኑ እዩ ዝስምዐን። እቲ ኣዝዩ ፍሉይ ከኣ፡ ኣንስቲ፡ ሰብኡተን ነቲ መረረአን ዋላ ኣይሰማምዕሉ፣ ነቲ ስምዒታተን ክፈልጡለንን ከኽብሩለንን እየን ዝደልያ። "ነዚ ቀንጠመንጢ ነገራት ክንድዚ ሕኒን ትብሊ" ክትብለን የብልካን። "እቲ ሕርቃንኪ እርዳኣኒ፡ ተረዲአኪ" ምባል እያ ትደሊ። ዝበዝሕ ግዜ በዓልቲ ቤት፡ እቲ ሓሳባታ ከም ዝተሰምዐን ስምዒታ ከም ዝተፈልጠላን ተተረዲኣ ብኡንብኡ እያ ትሃድእ።

እቲ ናብ ደቅኣንስትዮ ዝቐንዐ ምኽሪ ድማ ፍጹም ተመዓራራዪ እዩ። እቲ ንደቅተባዕትዮ ጸገም ዝዀኖም፡ ኣንስቶም መረረአን ንምቅላሕ መኘኽኘኸን ጉጥያን ዘብዝሓ ምዃነን እዩ። ስለ'ዚ ኸኣ ኣንስቲ፡ ነቲ ዘቘጥዐን ተግባራት ሰብኡተን እምበር፡ ንሰብኡተን ከም ሰባት ካብ ምጥቃዕ ወይ ምንሻው ክጥንቀቓ ይግባእ። መረረ ንባህሪ ወይ ንተፈጥሮ ናይ ሰባት ምጥቃዕ ኣይኰነን፣ እንታይ ድኣ ብዛዕባ እቲ ጭንቀት ዝፈጠረ ሓደ ተግባር ንጹር መግለጺ እዩ። ነድሪ ዝተመልእ ውልቃዊ መጥቃዕቲ ምፍጻም፡ ነቲ ሰብኣይ ብርግጽ ናብ ርእሰ-ምክልኻልን ሕንገዳ-ምላሽን ብምእታው፡ ንብስጭቱ ኣበሪዂ፡ ነቲ ባእሲ መሊሱ ከም ዝዓርግ ዝገብር እዩ። እቲ መረረ ሓጋዚ ዝኸውን ግን፡ ኣብ ልዕሊኡ ዘለዋ ፍቕሪ ብዘረጋግጽ መንፈስን ሃዋህውን ዝተሰነየ ክኸውን ከሎ እዩ።……

መጽሓፍ ስምዒታዊ ብልሒ

ንምዕዳግ በዚ ተወከሱ፣
ኣንጎላ፣ +244975930558
ኢትዮጵያ፣ +251979758992

መጽሓፍ ሎሚ 366 ዕለታዊ ኣስተንትኖታት ስቶዋነት ዝሓዘት ኮይና፣ ንሓደ ዓመት ዝኸይድ ብዘይ ምቁራጽ ንመዓልቲ ሓንቲ ገጽ ብምንባብ ጥራይ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ መዓልቲ ልቦና ከነዕብየላ ንኽእል መ...
08/09/2025

መጽሓፍ ሎሚ 366 ዕለታዊ ኣስተንትኖታት ስቶዋነት ዝሓዘት ኮይና፣ ንሓደ ዓመት ዝኸይድ ብዘይ ምቁራጽ ንመዓልቲ ሓንቲ ገጽ ብምንባብ ጥራይ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ መዓልቲ ልቦና ከነዕብየላ ንኽእል መጽሓፍ'ያ።

ኣብ ዝተፈላለዩ መጽሓፍትን መራኸቢ ብዙሃንን ኣስማቶም ክንሰምዖ ዝጸናሕናን፣ ብቅንጥብጣብ ጥቕስታት ሓሳባቶምን ጥበቦምን ዝተላለናዮምን ፍላስፋታት ስኔካ፡ ኤጲቅጤጦስ፡ ማርቆስ ኣውረልዮስን ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ልቦና ኣብ'ዛ 400 ገጽ ዝሓዘት መጽሓፍ ብሰፊሑ ንረኽቦ።

ጽቡቕ ነገር'ዛ መጽሓፍ፣ ንመዓልቲ ሓንቲ ገጽ ጥራይ ወይ'ውን ሓንቲ ጥቕሲ ምስ ኣስተንትኖኣ ከተንብብ ዝፍቀደካ ምዃኑ'ዩ። እዚ ድማ ዝኾነ ሰብ ብግዜ ይዂን ብምስልቻው ከይተዓንቀጸ ክጥቀመላ የኽእሎ። ብተወሳኺ'ውን ልምድታቱ ንክቕይር፣ ቀስ ብቐስ ንሓደ ዓመት ካብ'ዛ መጽሓፍ ከይተፈልየ ብምጽናሕ ናይ ምንባብ ልምዱን ኣረኣእይኡን ንከደንፍዕ ተኽእሎኣ ኣዝዩ ልዑል'ዩ። ነዛ ኣዝያ ኣገዳሲት ዝኾነት መጽሓፍ ዝተጎምካ፣ ኢንጅ. ቶማስ በርሀ "ኣገናዕ!" ክትበሃል ዝግባእካ'ዩ።

ናይ'ዛ ዕለት ኣስተንትኖ ከካፍለኲም፣
ጥሪ 21
ናይ ንግሆ ወግዒ!
"ንግሆ ምስ ተንሳእና ቅድሚ ዝኾነ ይዂን ንነብስና ነዞም ዝስዕቡ ነገራት ንሕተታ፣
• ካብ ብርቱዕ ድልየት ወጺአ ሓርነት ንኸውሕስ እንታይ'ዩ ዝጎድለኒ ዘሎ፧
• ህድኣት ንምውሓስ ከ እንታይ'ዩ ዝጎድለኒ፧
• ኣነ እንታይ እየ፧ ኣካል ጥራይ፧ ወናኒ መሬት፧ ወይስ ብዓል ዝና፧ ኣይፋልን ካብ'ዞም ኲላቶም ኣይኮንኲን።
• እሞ ኸ ድኣ እንታይ እየ፧ ዝሓስብን ዘመዛዝንን ፍጥረት።
• እሞኸ ድኣ ካባይ እንታይ'ዩ ዝሕተት፧ ብዛዕባ ተግባራተይ ምስትንታን።
• ካብ ህድኣት ብኸመይ እየ ኣንደልሂጸ፧
• ዘይብጻያዊ፡ ዘይሕዉስ ወይ ድማ ዘይሓሊ ዘብሉኒ ተግባራት ፈጺመ ድየ፧ ኣብ ኲላቶም'ዞም ነገራት ኣብ ምትግባሩ ዝፈሸልኲ ነገር እንታይ'ዩ፧"
-ኤጲቅጤጦስ

ብዙሓት ዕዉታት ሰባት ናይ ንግሆ ወግዒ ኣለዎም። እዚ ወግዒ'ዚ ንገለ ኣስተንትኖ ክኸውን ከሎ፡ ንኻልኦት ኣካላዊ ምውስዋስ እዩ። ንዝበዝሑ ግዳ ምጽሓፍ እዩ - ብዛዕባ ሓሳባቶም፡ ፍርሕታቶምን ተስፋታቶምን ውሑዳት ገጻት ምሕንጣጥ። እቲ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣብ'ቶም ከም ወግዒ ዝተራዕሙ ንጥፈታት ኣይኮነን ዘሎ። እቲ ሓሳብ ናብ ውሽጥና ንምጥማትን ንምምማይን ገለ ካብ ግዜና ምምዳብ እዩ።
ስቶዋውያን እቲ ኣውራ ዝጸቕጥሉ ከም'ዚ ዝበለ ግዜ ምስ ነብስና ምሕላፍ'ዩ። ማርቆስ ኣውረልዮስ መዝገባቱ ንግሆ ድዩ ለይቲ ጽሒፍዎም ኣይንፈልጥን ኢና፣ እቲ ዘገድሰና ግና ምስ ነብሱ ዝዛረበሉ ብሕቱው ግዜ ይፈጥር ምንባሩ እዩ - ምኽንያቱ እዞም ጽሑፋት'ዚኦም ንገዛእ ርእሱ ደኣ 'ምበር ንዝኾነ ብምባል ኣይኮነን ዝጸሓፎም። ናይ ገዛእ ርእስና ወግዒ ክንጅምር ሓሳብ እንተሎና ካብ ናይ ማርቆስን ኤጲቅጤጦስን ዝኸፍኡ ዝርዝራት እንተ ኣቐመጥና'ውን ሽግር የብሉን።
ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ካብ ሎሚ ጀሚርና፡ ከም'ዚኦም ዝኣመሰሉ ከበድቲ ሕቶታት ንነብስና ንሕተት። ፍልስፍናን ሓያል ጻዕርን ኣብ ዝበለጹ መልስታት ንኽመርሑና ድማ ዕድል ንሃቦም። ንግሆ ንግሆ፡ ንመላእ ህይወትና።

መጽሓፍ ሎሚ!

ንምዕዳግ በዚ ተወከሱ፣
ኣንጎላ፣ +244975930558
ኢትዮጵያ፣ +251979758992

Address

Addis Ababa
PAPA0102

Telephone

+251979758992

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when LAZA Book Shop - ላዛ መሸጣ መጽሓፍቲ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to LAZA Book Shop - ላዛ መሸጣ መጽሓፍቲ:

Shortcuts

Share

Category