16/05/2023
ሰላም ሰላም!!
ሓዳሽ መጽሓፍ "ዝላ ካብ ሕልሚ ናብ ግብሪ"
ኣብዛ ሓጻር ሕይወት፣ ብሓጐስን ዕግበትን ምንባር ዘይብህግ ሰብ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን። ንምዃኑ ኣብ ሕይወት እትደልዮ እንታይ'ዩ? እቲ ንነዊሕ ጊዜ ኣብ ኣእምሮኻ ዝተጠንሰ፣ ስጋ-ለቢሱ ክትርእዮ ትደሊ ዘለኻ እንታይ? ብኸመይ'ከ ኪውን ኪኸውን ዝኽእል?
ፈጣሪ- ንወዲ-ሰብ ባዶ ገረወኛ ጌሩ ኣይፈጠሮን። እኳ ደኣ ንርእሱን ጥራይ ዘይኮነስ፥ ንወለዶን ወለዶታትን ክሰጋገር ዝኽእል በዓል ዕቚር-ሃብቲ ጌሩ'ዩ ሸሊምዎ ዝርከብ። በዚ'ዮም መስለ ኣፍርቃውያን ፍላስፋታት " ሚዛን ሓደ ሬሳ ኣዝዩ ዝኸብድ'ኳ፣ እቲ ክነፍርየሎም ፈጣሪ ኣባና ዝደኰኖም ህያባት፥ ሰለ ዘይተጠቐምናዮም ወይ ዘይኣውጻእናዮም'ዩ" ብምባል ብዋዛ ሓቂ ዝነግሩና። ንዑ ደኣ ሬሳና ኣይነኽብድ!! ሕልምና ነግህድ! ኣገዳስነት ክብሪ ጊዜን ንጹርነት ዕላማ ንፍለጥ።
ሕይወት ጒዕዚ'ያ! ኣብ ጒዕዞ ድማ ኵሉ ኣሎ። ስለዚ-እወንታዊ ቅኒት-ኣእምሮ፣ ሓያል ርእስ-ምግታእ ከም ክዳን ብምልባስ፥ ወትሩ ኣብ ዓንኬል ምጅማር----ምቕጻል---ምዕዋት --- ኪትመላለስ መጽሓፍ "ዝላ" ካብ ሕልሚ ናብ ግብሪ ትምዕድ።
እዝን ካልእን ኣብ መጻሓፍ #ዝላ ክትረኽብዎ ኢኹም፣ ብናይ ኣንበብቲ ጠለብ ንካልኣይ ግዜ ተሓቲማ ኣብ ዱኳና መጺኣ ኣላ።
ደራሲ፥ Ghilazghi Arhe ጊላ`ዝጊ ኣርሀ
ንመጽሓፍ `ዝላ ካብ ሕልሚ ናብ ግብሪን` ካልኦት መጽሓፍትን ንምግዛእ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዌብሳይትና ወይ ዋሳብና ተጠቀሙ።
Website: www.aslistore.co.uk
Tele/WhatsApp: 00447599408855
#መጽሓፍ #ዝላ