Kemey yehwat

Kemey yehwat ንኸዕርፍ ምስ ተወከስኩዎ ናይ ውሽጠይ ጎሻግሹ መርመረኒ. አንሆ ናይ ውሽጠይ ጋሕጕሐ ብቀለም ይነግሮ ::

17/12/2021

ገጢምካ ክኣሎ
=========
ኣጆኻ ንኡሰይ ጸላኢኻ ብስደት ይሳቐ
ኣብዚ ዕድመ'ዚ ዶ ንዓኻ ሰላም ምተበቅቐ
ኣብ ዓድኻ ምረኸብካ እንበሪ ሕንቃቐ:
ኣጆኻ ቀሪቡ ዩ እቲ እዋን
ንገዛኻ ትምለሰሉ ኣይርሕቑን
ተስፋ ተሓንገጥ ክሳብ ዝኾነ-ዝኾን
ምሰሎ ነቲ ዘሎ
ሓደራኻ ነቲ ዝመረረ ኣዝሕሎ
ነቲ ዕረ ከም መዓር ኣምቅሮ
ንሕማቕ ገጢምካ ክኣሎ
ሓደራኻ ሓደራኻ ፈተነ ምንባር ስደት ተቐበሎ።
ብ, ሚኪ ተስ

17/12/2021
31/05/2019

እግባይ!
---------
መዓልቲ ቆጾራ
ንዕድሜኣ ኣኽቢራ
በጺሓ አቕቲራ
እዋን ሓሊፉ
ደበና ዓግዒጉ ንግሆ መሲሉ
ሰዓት ኣኺሉ
ኣብ ምፍራቓ ሎሚ
ነዛ ዕለት ተቓጺረ ዓሚ
ተዓጽዩ ናይ ነዊሕ ትልሚ
እግባይ !
መዓልቲ እወሃበኒ ካልኣይ
ንፈራዲ ክህቦ እቲ ጉዳይ
እንተኾነ ከይነውሐ መዓልቲ
ኣቕሩቡኒ አብዚ ሳልስቲ
31/05/2016
ብሚኪኤለ

01/08/2017

ኣደይ ወላዲተይ
""''''''''''''''''''''''''""""''''''''''''
እቲ ዕሸል ከለኹ
ነደይ ምስ ረኣኹ
ኣምሪረ እንተ በኸኹ
እንታይ ከም ዝደለኹ
ቓንቓይ ብግቡእ ትርዳእ
ኩሉ ዝደልዮ ንሳ ተለልዮ
ብኽያት ይጅምር ብመሪር ድምጺ
ዘረባይ 'ዩ ናይ ፍቕራ መግለጺ
ሓቒፋ ክትስዕመኒ'ዩ ትርጉሙ ንዒ ምጺ
ሲዒማ ሰዓዒማ፡ ኣቢዳ ኣባቢዳ
ልበይ ፍቕራ'ያ ለሚዳ
ድምጻ መዛናግዒ ሙዚቃ'ዩ ሙቁር
ውሁድ ቅኒት ብዘይ ቅንብር
ሕንትኽትኽ ናይ ልበይ ኪርኪር
ሰልም ንኸብል ኣብ ዝባና
ንየማን ንጸጋም ሓቒና
እሩሩ እያ መራዳዲኢትና
ድቃስ'ያ ሞንጎኛና
ናብ ዝኸደቶ ኣብ ዝባና ሓዚላ
ቅያር ጨርቂ ኣብ ኢዳ ኣንጠልጢላ
ራሕቂ ዓቐበ ቁልቁል ኣይድህላ
ወትሩ ምስኣ ኣብ ውሽጢ ማሕዘላ
ዋላ እካ ንሓንቲ ደቒቕ
ዘይትቕስን ነብሳ ዘይትበቅቕ
ቀዋሚ ስርሓ ንዓይ ከተሕንቅቕ
ንበይና ትስሕቕ ንዓይ ከተስሕቕ
ዓይኒ- ዓይነይ ኣትኪራ
በእዳዋ - የእዳወይ ዓቲራ
ገጽ- ገጸይ ናጠመተት ተስሕቐኒ ነራ
ኣብ ልበይ ዘሪኣቶ ፍቕራ
ሽዑ ዝፈለሰ
ክሳብ ሕጂ ኣሎ ዘይበረሰ
ብውቁብ ትወቂጡ'ዩ ዘይሃሰሰ
ኣደይ ወላዲተይ ምለስኒ ናብ ማሕዘል
ኣብ ሕቁፎኺ ዳግማይ ክሰራሰር
ከሕድሶ እቲ ናይ ቀደም ኣሰር
ፍቐድለይ ንሓንቲ ደቒቕ ኣብኡ ክነብር
ብሚኪኤለ ተስ

01/07/2016
12/06/2016

ተዳናጊጹ ነብዐ
==========
ዓለም ብዓለሙ
ብጉዳይና ተገሪሙ
ኣፉ ሓቲሙ
ዓይኑ ምስ ረኣየ
የእዛኑ ምስ ሰምዐ
ተዳናጊጹ ነብዐ
እቲ ቐንዲ ዘንበዖ
ቭድዮ ተቐሪጹ መርትዖ
ማዕበል ክገላብጦ ከጋፍዖ
ህዝብና ዓሳ እክበልዖ
እውይይይ እንዳ በለ
ሂወቱ ከይ ኮለለ
ብጨና ሞት ምስ ተኻእለ
ሹዑ ዓለም
ወረ ረኺቡ
ዜና ኣኪቡ
ብጥፋትና ተዛሪቡ
ህልቂት ህዝብና መሪሩ
ዓለም ብዓለሙ ተነጊሩ
ኣብ ቅርዕት ተመስኪሩ
11 ሰነ 2016
by ሚኪኤለ(mt)

08/06/2016

ባሕሪ በዲልካኒ
==========
ኣታ ክንደይ ትጭክን
ንዓበይቲ ኣይትሓፍር ህጻናት ኣይትፍንፍን
ዝሓሹ'ዶ ሲኢንካ ናብ የሕዋተይ ትጠንን
መዓልታዊ መሪጽካ ቐያሕቲ
ቑሕም ኣቢልካዮም ስድራ-ቤት ምልእቲ
ሓደ'ኸ ዘይትገድፈለይ ዘጽንሕ መልእኽቲ
እዋይይይይይ ጉድ!
ከብዶም ብጥምዩ
ጎሮርኦም ብንቕጹ
ዓው ኢሎም'ና ወጨጩ
ዑጭ ሓንፊፍካ ገለ ከየምሉጡ
ሞኻልፍ በዚሑዎም ኣብዛ ምድሪ
ንሳዓታት ክዕቖቡ ዝገሹ ናብ ባሕሪ
ተቐቢልካ ሂብካዮም ንዓሳ ነባሪ
ባሕሪ በዲልካኒ
ኣራይትካ ከተዛኒ
የሕዋተይ መንጢልካኒ!
ብየማናይ ኢዱ ይቐበሎም ኣብ ገነቱ
By ሚኪኤለ
06/06/2016

08/06/2016

ብርሃን!!!
~~~~
ግብ ዝበለ ጸላም
እንተ ትሕተት ኣሽሓት ንምድሓን
እንታይ ምሓተትካ?
ብርሃን? ? ?
መን ከ ይህበካ?
ዋጋ ብምኽፋል
ኣከፋፍላ?
ሓድነት ኣብ ሚዛን
ብማዕረ ምክፋል!!

08/06/2016
ልቢ ምገበረት--------------Birgx fikra dea godiluni enberiKilamodo ye....
04/05/2016

ልቢ ምገበረት
--------------
Birgx fikra dea godiluni enberi
Kilamodo ye....

Adres

Krispijnsweg
Dordrecht

Telefoon

+972546279574

Website

Meldingen

Wees de eerste die het weet en laat ons u een e-mail sturen wanneer Kemey yehwat nieuws en promoties plaatst. Uw e-mailadres wordt niet voor andere doeleinden gebruikt en u kunt zich op elk gewenst moment afmelden.

Snelkoppelingen

Delen