Rufta Habesha butik

Rufta Habesha butik Kontaktinformation, kartor och vägbeskrivningar, kontaktformulär, öppettider, tjänster, betyg, foton, videor och meddelanden från Rufta Habesha butik, Köpcentrum, Stockholm.

25/12/2024

እዚኣ ግናይ ለበዋ ንሰብ ታክሲ !

ጸሓፊት Rumana Berhanu

ኣብ መላእ ዓለም ታክሲ ትዝውሮን ትሰርሑ ወይ ታክሲስታ መሓዛን ቤተሰብን ዘለኩም ነዛ ጽሕፍቲ ሸር በልዋ:: 🟡🟢🔴።ብፍላይ ኣብ ኤሮፕ ዘለኹም !

ሎሚ ንሰብ ኣውዲቕካ ክትረብሕ ዓለም ሕጊ ዓሳ ካብ ትቕየር ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ :: ስለዚ ኣብ ታክሲ ትሰርሕሉ በዚ ጉዳይ ኣስተውዕሉ ::

1. ዝኾነ ዋና ምስኡ ዘይስቀል ንብረት ብተማልኣለይ ::ካብ ኤርፖርት ተቐበለለይ ::ንኹስቶ ሃበለይ ዝብል ወላ ቀረባ መሓዛኹም ይኹን ብዓይንኹም ከፊቱን ብጽሑፍ ኮነ ቴክስት ክሳብ ዘየረከበኩም ከይትማልኡ :: ብዙሓት ሰባት ብፍላይ ካብ ኤርፖርት ጫት ዓሺጎም ንኹስቶ ኩስቶ ኣብ ከምዚ ክጸንሓካዩ በርበረን ሽሮን ካብ ኢትዮጵያ እዩ ብዝብል ምኽንያት ናይ ሓያሎ ኣውቲስታ ታክሲ ሂዎት ተበላሽዩ እዩ ::

2. ኣብ Uber ወይ Bolt ትእዘዝሉ ብመሰረት ትእዛዝ በቲ ዝተበሃልክሞ ኣድራሻ ጥራሕ ክትከዱ ፈትኑ ። ተሳፋሪ ኣብ ሞንጎ ሓሳበይ ቀይረ ካልእ ኣድራሻ ውሰደኒ እንተ ኢሉ : ናብቲ ካምፓኒ ደዊሉ ባዕሉ ኣድራሻ ክሳብ ዘይቀየረ ብፍጹም መንገዲ ብገዛእ ውሳነኹም ከይትቕይሩ :: " ክዕምጸኒ ደልዮ መንገዲ ቐይሩ : ክቐትለኒ ደልዩ መንገዲ ቐይሩ" ዝብሉ ተኣፈፍቲ ክሲ ከምዝስዕብ ምግንዛብ የድሊ ::

3. ኣብ ቀዳማይ ኩርሲ ካብ ክልተ ንላዕሊ ክሳብ ዘይኮኑ ኣብ ዳሕረዋይ ኩርሲ ኮፍ ክብሉ ሓብርዎም:: ብፍላይ ደቀንስትዮ ኣብ ዳሕረዋይ ኩርሲ ኮፍ ክብላ ኣገድድወን። ምናልባት ብቕድሚት ኮፍ እንተ ኢለን ናይ ምውጣጥ ወይ ምትንካፍ ምልክት እንተኣጋጢምኩም ወዲ ጓል ተንኪፋትኒ ኢሉ ኣይከስስንዩ ዝብል ኣጉል ትምክሕቲ ዋጋ ከየኽፈለኩም። ድሒሩ ዝመጽእ ሳዕቤን ከይከረረ ገና ኣብ ሰዓቱን እንዳ ዘወርኩምን ናብ ፖሊስ ምድዋልን ምሕባርን ኣይትረስዑ:: መኪናኹም ጠጠው ከተብሉ ድማ ከይትፍትኑ። ብዓቢኡ ድማ ኣብ መኪናኹም ካሜራ ይሃልኹም ::

4. ተሳፋሪ ኣብ ዝጸዓነሉ ሓግዘኒ ከይበለኩም ይእረግ ይሸምግል:ይስከር ምስውንኡ ይሃሉ ከይትትንክፍዎ::

5. ምስ ተሳፋሪ ውልቃዊ ሂዎትኩም ፖሎቲክ ሃይማኖት ዝመጻኽሙሉ ዓዲ ኣይተዕልሉ::

6. ካብ ተሳፋሪ ብዘይካ tip (ሞቕሽሽ) ዝኾነ ዓይነት ህያብ ኣይትቀበሉ::

7. ኣብ ገዛ ተሳፋሪ ክትኣትዎ ከይትፍትኑ :: ኣብ መኪናኹም ንብረት እንተረሲዖም ብዘይወዓል ሕደር ሓብርዎም:: ሰሪቕኒ ዝብል ክሲ ከምዘስዕብ ኣይትረስዑ::

8. ሳንጣታት ገያሾ ከተውርዱን ክት ሰቕሉን ናይ ፕላስቲክ ጓንቲ ተጠቀሙ። እዚ ኣብ ዙርያ ፈተውተይ ዝወረደ ብግርህና ዘምጽኦ ሰበብ ዝወረደ በደል ማንም ሰብ ክወርዶ ምርጫይ ኣይኮነን ስለዚ ሰብ ክጎርሓሉ ኣለዎ።

✍️✍️ብሓፍትና ሩማና

03/10/2023
04/03/2023

Adress

Stockholm
16437

Öppettider

Måndag 10:00 - 20:00
Tisdag 10:00 - 20:00
Onsdag 10:00 - 20:00
Torsdag 10:00 - 20:00
Fredag 10:00 - 20:00
Lördag 10:00 - 18:00
Söndag 11:00 - 18:00

Webbplats

Aviseringar

Var den första att veta och låt oss skicka ett mail när Rufta Habesha butik postar nyheter och kampanjer. Din e-postadress kommer inte att användas för något annat ändamål, och du kan när som helst avbryta prenumerationen.

Dela